እዚ ናይ ፈለማ ማሕበር ባሕረኛትታ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዝኾነ ክነላልየኩም እንከለና ዓቢ ሓጎስ ይስምዓና፣ እዚ ማሕበር እዚ በቶም ኣብ ዉሽጥን ኣብ ደገን ብዝቅመጡ ቀዳሞት ኣባላት ባሕረኛታት ኤርትራዊያን ዝተመስረተ እዩ፣ ዛጊት ብናይቲ ማሕበር ውሑዳት ኣባላት ብዝገበርዎ ጻእሪን ጎስጓስን መሰረት ብርክት ዝበሉ ሙያተኛታት ብምርካቦም ሓያሎ አባላት ክህሉዎ በቂዑ አሎ፣

ኣብ ዝሓጸረ ግዜ’ውን እዞም ግዱሳት ኣባላት ተወዲቦም ብዝረኸብዎ ሕጋዊ ተቀባልነት ተጠቂሞም  ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ተማሂሮም ብዝረኸብዎ ሰርተፍኬት ካብ ሃገርና ሕጋዊ ኣካላት /flag state/ መረጋገጺ ብምሕታት ተፈላጥነት ረኺቡም፣

ናይቲ ማሕበር ቀንዲ ዕላማ

  • እቲ ማሕበር ናቱ ዝኾነ ቤት ጽሕፈታት ተኻርዩ ወግዓዊ ስራሕ ክዝጀምር እቲ ቀዳምነት ዝዋሃቦ ዕላማ መሰረት ብምግባር ንዝተበገሰሉ ኣጀንዳ ኣባላቱ ብቀረባ ተራኺቦም ብምዝታይ ሙያዊ ዝኾነ ናይ ስራሕ ተመኩሮ ከም ዝለዋወጡ ምግባርን ናይ ስራሕ ዕድላት ከም ዝረኽቡ ምግባር፣
  • ካብ ወጻኢ ተማሂሮም ወይ ስልጠና ቀሲሞም ንዝመጹ ኣባላት ሰርተፊኬታቶም “ብፍላግ ስቴት” ተፈላጥነት ረኺቡ ናይ IMO ተፈላጥነት ብዘለዎ ሰርተፊኬት ከም ዝትካእ ምግባር፣
  • ዘለናዮ መዋእል ምስግጋር ናይ ዝለዓለ ቴክኖሎጂ ዝካየደሉ ኣብ ርእሲ ምኳኑ ተወሳኺን ተኸታታሊን ናይ ብቅዓት ስልጠና ብሓባር ከም ዝረኽቡ ምግባር፣
  • ብዝሒ ኣባላት ብምሕያል ናይ ማሪን ኢንጂነሪንግ ሙያ ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ሃገርና ከም ዝላለ ምግባርን መንእሰይ ወለዶ ብዝለዓለ ደረጃ ተሳታፊ ብምግባር ከም ህንድን ፊሊፒንስን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብቲ ሙያ ሰፊሕ ዝኾነ ናይ ስራሕ ዕድል ከም ዘሎ ምንጻር፣
  • ብዘይካ’ዚ ናይ ማሪን ኢንጅነሪንግ ቤት ትምህርትን ናይ ባሕረኛታት መዘናግዒ ክለብ ንምምስራት ጻእሪ ምኽያድ፣ ካብዚ ብምብጋስ’ውን ቁጠባ ሃገርና ክብ ከም ዝብል ምግባር፣
  • ኣብ መወዳእታ ሃገርና ኣብ ደረጃ ዓለም ዝለዓለ ተራ ትጻወተሉ ባይታ ምጥጣሕ፣
  • ማሕበርና እናማዕበለ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ንሓያሎ ዜጋታትና ሰፊሕ ዝኾነ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር፣ 

 ማሕበር ካብ ዝምስረት ዝተፈጸመ ዓበይቲ ጉዳያት

  1. ብርክት ዝበሉ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተማሃሩ ነባራት ኣባላት ንዘለዎም ሰርተፊኬታቶም ናይ IMO ተፈላጥነት ብዘለዎን ብናይ ሃገርና /Flag state/ ዝተደገፈ ሰርተፊኬት ከም ዝረኽቡ ምግባርን ምትካእን፣
  2. ሚኒስትሪ መጎዓዝይን መራክቢታትን ክፍሊ መጎዓዝያ ባሕሪ ብዝገበርዎ ልዑል ጻእሪን ናይ ኣባላት ናይ ብቅዓት መመዘኒ ስልጠናታት ወሲዶም ናይ IMO ተፈላጥነት ዘለዎ ሰርተፍኬት ምቅባሎም፣
  3. ባሕረኛትታ ኤርትራ ብትግሓቶምን ፈታው ስራሕ ብምኳኖምን ዘማዕበልዎ ውህሉል ብቅዓትን ናይ ስራሕ ተመኩሮን ዝፈጠረሎም ሰፊሕ ዝኾነ ናይ ስራሕ ዕድል፡ ባሕረኛታትና ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን፡ ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ፋርስ ፡ ኣብ ዓረቢያን ባሕሪ፡ ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ዖማን፡ ኣብ ካስፒያን ባሕሪን ሕንዳዊ ውቅያኖሳትን ብዘለዎም ብቅዓትን ክእለትን አብ ሙሉእ ዓለም ተዋፊሮም ይርከቡ፣
  4. ማሕበርና ብርክት ንዝበሉ ኤርትራዊያን ናብዚ ሙያ ከም ዝጽንበሩ ብምግባር ናይ ስራሕ ዕድል ተረባሕቲ ንኽኾኑ ብዝገብሮ ዘሎ ሓገዝን ጎስጓስን ቁጽሪ ኣባላቱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ወስክ ይመጽ አሎ፣ አብዚ ሕጂ ግዜ (2016) አስታት 1500 ዝኮኑ ባሕረኛትታ ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሖም ይርከቡ፣
  5. ንባሕረኛትታ ጠርኒፉ ነቲ ማሕበር ንምልላይ ብውሑድ ዓቕሙ ተበጊሱ ኣብ ዝተፈላለየ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ነዚ ማሕበር ንምልላይ ጻእርታት ኣካይዱ፣ ዕላማን ብቕቅዓት ባሕረኛታትና ንምልላይ ኣብ ዓበይቲን ፍሉጣትን ዝኾና መርበብ ሓበሬታት ክዝርግሕ ጸኒሑን ኣሎን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዓለም ተፈላጥነትን ጽልዋ ምእንቲ ከሕድር ልዑል ዝኾነ ጻእርታት ክካየድ ጸኒሑ፣

ኣብዚ ሕጂ ግዜ ባሕረኛትታ ኤርትራ ብርክት ዝበሉ ኣብ ማሪን ኢንጅነሪንግ ከምኡ’ዉን ኣብ ናይ ናቪጌሽን ስራሕ ተዋፊሮም ይርከቡ፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ስራሓት በብክእለቶምን ብቅዓቶምን ተቆጺሮም ኣገልግሎት ንምሃብ ስራሕ ኣብ ምድላይ ይርከቡ፣ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ባሕረኛትታ ድማ ኣብ ትጽቢት ይርከቡ፣ እዞም ሙያተኛታት ኣብ ናይ ናቪጌሽን ካፕቴናት፡ ቺፍ ኦፊሰራት፡ 2ይ ኦፊሰር፡ 3ይ ኦፊሰር፡ ቦስማን፡ ኤቢ፡ ቺፍ ኩክ፡ ኣብ ናይ ማሪን ኢንጅነሪንግ ድማ ቺፍ ኢንጅነር፡ 2ይ ኢንጅነር፡ 3ይ ኢንጅነር፡ ሜካኒክ፡ ኦይለርን የጠቃል፣ 

በቲ ማሕበር ክፍጸሙ ተወጢኖም ዘለዉ ናይ መጻኢ መደባት፣

  • እቲ ማሕበር ኣብ ሓጺር ግዜ ተሞኩሮ ናይ ስራሕ ካብ ማሕበር ናብ ኤጀንሲ ንምስግጋር ኣብ ምድላዋት ይርከብ፣ ንቀጻሊውን ብዝተፈላለየ ናይ ማሪታይም ስራሕ ጽላታት ምስ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላትን ምስ ናይ ወጻኢ ሃገር ኩባንያታት ብምትሕብባር ንምስራሕ ፍቃደኛ ምኳኑ በዚ ኣጋጣሚ ይገልጽ፣
  • ማሕበር ብዘይካ ኣብ ናይ ስራሕ ዕድላት ጥራይ ከይተደረተ ኣብ ትምህርታዊ ጽላታት’ውን ንኣባላቱ ብዝሓሰረ ዋጋ ስኮላርሽፕ ክረኽቡ ዝክእሉሉ ባያት ከጣጥሕ ጸኒሑን ሕጂ’ውን ጻእርታቱ ይቅጽል ኣሎ፣
  • ባሕረኛታትና ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ዘጋጥሞም ዝነበረ ዝተፈላለየ ብድሆታት ኣብ ምፍታሕን ጻእርታት ከካይድ ጸኒሑ፣ ብዘይካዚ ንኣባላትና ኣድላይ ዘበለ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ክነጥፍ እዩ፣

ኣገደስቲ ዕለታትን ፍጻመታት ታሪኽ  ባሕረኛታት ኤርትራ

  • ብምክፋት መትርብ ስወጽ ኣብ 18 ክፍለ ዘመን ቀይሕ ባሕሪ ስሩዕ ምንቅስቃስ መራኽብ ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ተጀሚሩ፣ ናይ ጥልያን ሺፒን ላይን ሩባቲኖ ትባሃል ትካል ኣብ ወደበ ዓሰብ ብ1869 ቤት ጽሕፈት ተከፊቱ፣
  • ባሕረኛታት ኤርትራ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ኤርትራ ብምምጽእ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን መግዛእትታት ክሳብ ናጽነት ኤርትራ (1991) ክሰርሑ ጸኒሖም፣
  • ድሕሪ 2ይ ኩናት ዓለም ካብ 60ታት ክሳብ 70ታት ብፍላይ ኤርትራውያን ባሕረኛታት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ናይ ውልቂ መራክብ ክስርሑ ጀመሩ፣
  • ቀዳማይ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ብ1975 ኣብ ምጽዋዕ (ባጽዕ) ኣብ ትሕቲ ቨሎቩ ሆቴል ፈለማ  ከም እተመስረተ መዛግብ ታሪኽና ይሕብሩ፣ እንተኮነ ግና ብሰንኪ ተቃውሞ ስርዓት ኢትዮጵያ ንክዕጾ ተገደደ፣
  • ኣብ 70’ታት ብዙሓት ባሕረኛታት ናብ ቃልሲ ኤርትራ ከም እተጸምበሩ ታሪኽ ባሕረኛታት ኤርትራ ይሕብር፣
  • ኣብ 80’ታት እቲ ናይ ስራሕ ትሕተ ቅርጺ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ወሽመጥ ዓረብ ስለ ዝዛዘወን ብምኽንያት እዚ ድማ ባሕርኛታት ኤርትራ ካብ 21 ክፍለ ዘመን ኣትሒዞም ናብ ሃገራት ጋልፍ ብስራሕ ክጽምበሩ ጀመሩ፣
  • ድሕሪ ናጽነት ኤርትራን ሺፒን ላይን ዝተባህለ መንግስታዊ ትካል ከም ዝተከፍተ ዝፍለጥ ኮይኑ በዚ ኣጋጣሚ ድማ ብዙሓት ባሕርኛታት ናይ ምስራሕን ስለጠና ዕድል ንክረኽቡ ጥጡሕ ዝኮነ ባይታ ከም ዝተፈጠረሎም ይፍለጥ፣
  • ኣብ እዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 1500 ዝግመቱ ባሕረኛታት ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሖም ይርከቡ፣

 

ንዝያዳ ሓበሬታ መርበብ ሓበሬታና ተወከሱ.

You can download this file by clicking ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ