• ብምክፋት መትርብ ስወጽ ኣብ 18 ክፍለ ዘመን ቀይሕ ባሕሪ ስሩዕ ምንቅስቃስ መራኽብ ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ተጀሚሩ፣ ናይ ጥልያን ሺፒን ላይን ሩባቲኖ ትባሃል ትካል ኣብ ወደበ ዓሰብ ብ1869 ቤት ጽሕፈት ተከፊቱ፣
• ባሕረኛታት ኤርትራ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ኤርትራ ብምምጽእ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን መግዛእትታት ክሳብ ናጽነት ኤርትራ (1991) ክሰርሑ ጸኒሖም፣
• ድሕሪ 2ይ ኩናት ዓለም ካብ 60ታት ክሳብ 70ታት ብፍላይ ኤርትራውያን ባሕረኛታት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ናይ ውልቂ መራክብ ክስርሑ ጀመሩ፣
• ቀዳማይ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ኣብ ምጽዋዕ (ባጽዕ) ብ1975 ፈለማ ከም እተመስረተ መዛግብ ታሪኽና ይሕብሩ፣ እንተኮነ ግና ብሰንኪ ተቃውሞ ስርዓት ኢትዮጵያ ንክዕጾ ተገደደ፣
• ኣብ 70’ታት ብዙሓት ባሕረኛታት ናብ ቃልሲ ኤርትራ ከም እተጸምበሩ ታሪኽ ባሕረኛታት ኤርትራ ይሕብር፣
• ኣብ 80’ታት እቲ ናይ ስራሕ ትሕተ ቅርጺ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ጋልፍ ዓረብ ስለ ዝዛዘወን ብምኽንያት እዚ ድማ ባሕርኛታት ኤርትራ ካብ 21 ክፍለ ዘመን ኣትሒዞም ናብ ሃገራት ጋልፍ ብስራሕ ክጽምበሩ ጀመሩ፣
• ድሕሪ ናጽነት ኤርትራን ሺፒን ላይን ዝተባህለ መንግስታዊ ትካል ከም ዝተከፍተ ዝፍለጥ ኮይኑ በዚ ኣጋጣሚ ድማ ብዙሓት ባሕርኛታት ናይ ምስራሕን ስለጠና ዕድል ንክረኽቡ ጥጡሕ ዝኮነ ባይታ ከም ዝተፈጠረሎም ይፍለጥ፣
• ኣብ እዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 1500 ዝግመቱ ባሕረኛታት ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሖም ይርከቡ፣

 

13076858_1005899466159004_1519937766652134399_n 13119090_1005899502825667_3733324479332514394_n

Leave a Reply